ዝሓሸ መባእታዊ ክንክን ንስደተኛታትን ሓደስቲመጻእትን ናብ ካናዳ
ጽማቝ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣዋርኬር-ኣምብረላ ዘተ ማሕበረ-ኮም (OurCare-Umbrella Community Roundtable)
ኣብ ኣርባዕተ ቋንቋታት/ባህላዊ ጉጅለታት ማለት ስጳኛ፣ ዓረብኛ፣ ዳሪን ትግርኛን ን23 ተሳተፍቲ ኣዋሲኡ። እቲ ዘተ (roundtable) ዝተኻየደሉ ምኽንያት፣ ኣብ ካናዳ ንዝርከቡ ሓደስቲመጻእትን ስደተኛታትን ማሕበረ-ኮማት ብዘሎ ስርዓታዊ ዕንቅፋታት ኣብ ጥዕናን መባእታዊ ክንክንን ዝፍለጡ ዘይምዕሩይነታት ስለዘለዉ ኢዩ። ንብዙሓት፣ ድሌታቶም ብስርዓት ክንክን ጥዕና ስለዘየማልኡ ዘለዉን ኣብ ህዝባዊ መድረኻት ድምጾምን ኣረኣእያኦምን ትሑት ውክልና ኣለዎም። እቲ ኣዋርኬር-ኣምብረላ ዘተ ማሕበረ-ኮም (OurCare-Umbrella Community Roundtable) ኣብ ክልተ ክፍለ ግዜታት፣ ብ3 ጥቅምትን 6 ጥቅምትን 2023፣ ብድምር ን6.5 ሰዓታት ዝተጸውዐ ኰይኑ፣ ተሳተፍቲ ብዛዕባ ስርዓተ መባእታዊ ክንክን ክመሃሩ፣ ኣረኣእያታቶም ከካፍሉን ንለውጢ ዝኸውን ሓሳባት ከመንጭዉን ኣኽኢልዎም። ኣዋርኬርን ኣምብረላን (OurCare and Umbrella) ነቶም ኣብ ዘተ ማሕበረ-ኮም (ommunity Roundtable) ዝተሳተፉ 23 ውልቀሰባት የመስግኖም። ምሉእ ጸብጻብ ብእንግሊዝኛን ፈረንሳይኛን ኣብ ታሕሳስ 2023 ንህዝቢ ክቐርብ ኢዩ፣ ከምኡ’ውን ኣረኣእያታቶምን ሓሳባቶምን ኣካል ናይ’ቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ዝግበር ናይ ኣዋርኬር ሃገራዊ መምርሒ ንለውጢ መባእታዊ ክንክን (OurCare National Blueprint for Primary Care Transformation) ኪኸውን ኢዩ። ተሳተፍቲ፡ 23 ሰዓታት፡ 6.5 ቋንቋ/ባህላዊ ጉጅለታት፡ 4 ● ትግርኛ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ● ስጳኛዊ ቋንቋ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ላቲን ኣመሪካ ● ቋንቋ ዳሪ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ኣፍጋኒስታን ● ዓረብኛ ዝዛረቡ ሓደስቲ መጻእቲ ካብ ማእከላይ ምብራቕ
1